ሪስክ፡ ኣንጻር ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ንምቅላስ ብደረጃ ሃገር ሽወደን ዝተመስረተ ማሕበር ኮይኑ ብሓጺር ዝጸሓፈሉ መለልይ ኢዩ። ሪስክ ዘይመንግስታውን ካብ ዝኾነ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጸግዒ ናጻ ዝኾነ ማሕበር ኢዩ።
ሪስክ ብመልክዕ ትምህርቲ ፕሮጀክትታት እናኣዳለወ፤ ምስቶም ናይ ምኽንሻብ ባህሊ ንምጥፋእ ተገዳስነት ዘለዎም፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ወጻእተኛታት ዘቐምወን ማሕበራት ተሓጋጊዙ ዝሰርሕ ማሕበር ኢዩ። በብኸባቢኡውን ኣብ ነኣሽቱ ፕሮጀክትታት ተሳቲፎም ነዚ ፍልጠት ዘመሓላልፉ መምህራን እናቖጸረ ኣብቲ ወጻእተኛታት ብብዝሒ ዝርከብሉ ዞናታት ናይተን ዓበይቲ ከተማታት ስቶክሆልም ኡፕሳል ማልመ የተቦሪ ብዙሕ ኣገልግሎት ዝህብ ኢዩ። እዚ ማሕበር ዘተኩረሉ ዕላማ፡ ን ኣፍሪቃውያንን ካሎኦት ነዚ ልምዲ'ዚ ዘዘውትሩ ህዝብታት፡ ነዚ ባህሊ'ዚ ኣብ ሃገሮም ይኹን ኣብ ካልእ ሃገር ጠጠው ንኸብልዎ ባዕላቶም ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንኸምጽኡን ንኽሰርሑ ምሕጋዞም ኢዩ።